ምኽሪ ምሃብ ንካብ ሃገር ዝተሰደዱን ዑቕበኛታታን
ንስኹም ሓደ ምኽሪ ንምርካብ ብቐሊሉ ብሓደ ምጥዋቕ ኣብቲ ኣርማ ገርኩም ጀምሩ። ናትና ናይ ምምኻር መድረኽ ኣብ ሓደ ሓድሽ መስኮት እዩ ዝኽፈት። ንስኹም ንነብኹም ትምዝገቡሞ ንዓና ክኣ ናትኩም መልእኽቲ ወይድማ ናትኩም ሕቶ ትጽሕፉልና። ብኽብረትኩም ኣስታብህልሉ፣ ማለት ናይ ግልኻ ምኽሪ ምርካብ ከም ልሙድ ብቋንቋ ጀርመን እዩ ዝግበር።
ንስኹም ሓደ ምኽሪ ንምርካብ ብቐሊሉ ብሓደ ምጥዋቕ ኣብቲ ኣርማ ገርኩም ጀምሩ። ናትና ናይ ምምኻር መድረኽ ኣብ ሓደ ሓድሽ መስኮት እዩ ዝኽፈት። ንስኹም ንነብኹም ትምዝገቡሞ ንዓና ክኣ ናትኩም መልእኽቲ ወይድማ ናትኩም ሕቶ ትጽሕፉልና። ብኽብረትኩም ኣስታብህልሉ፣ ማለት ናይ ግልኻ ምኽሪ ምርካብ ከም ልሙድ ብቋንቋ ጀርመን እዩ ዝግበር።
ብዛዕባቲ ብኦንላይን-ምኽሪ ምርካብ ናይ Caritas ንስኹም ትኽእሉ ኢኹም ብቐሊልን ብዘተኣማምንን ነቶም ሕቶታትኩም ንዝተፈላለዩ ናይ ሓገዝ ኣርእስትታት ንኽተቕርቡ። እንተድኣ ደሊኹም፣ ስምኩም ምርቛሕ ኣየድለየኩምን እዩ። እቶም ክኢላታት ናይ Caritas ነቶም ሕቶታትኩም ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ናይ ስራሕ መዓልቲ እዮም ዝምልስልኩም።
ነቲ ምምኻር ንስኹም ወላሓንቲ ናይ E-Mail-ኣድራሻ ኣየድልየኩምን እዩ። ንምክልኻል፣ ማለት ዘይፍቀዶም ሰባት ነቲ ናትኩም ሕቶን ከምኡውን መልሲ ናይቲ ኣማኻሪኹም ከየንብቡ ምእንቲ፣ Caritas ሓደ ጹኑዕ ዝኾነ ክፍሊ ናይ ምምኻር ኣማዕቢላ እያ። ናብዚ ድማ ንመጀመርያ ንርእስኹም ናይ ግድን እዩ ስምኩም ከይረቛሕኩም ክትምዝገቡ ዘለኩም። ኣብኡ ንስኹም ናትኩም ሕቶ ትጽሕፉን (ከም ኣብ ሓደ ተራ ዝኾነ E-Mail ዝመሳሰል) ከምኡድማ ኣብኡ ንስኹም ነቲ መልሲ ክትወስድዎን ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ ናይ ብኦንላይን-ምኽሪ ምርካብ ናይ Caritas ንስኹም ብቐሊሉን ብዝተረጋገጸን ንሕቶታትኩም ንናይ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እንተድኣ ደሊኹም፣ ንስኹም መንንነትኩም ከይነገርኩም ይከኣል እዩ። እተን/ቶም ክኢላታት ናይ Caritas ንሕቶታትኩም ከም ሉሙድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናይ ስራሕ መዓልታት መልሲ ይህብሎም እዮም።
ብቪደዮVideo-መምብርሂ ምሃብ ንምጥቃምን፣ ምምዝጋብን ከምኡድማ ምእታውን ኣብ ናይ ብኦንላይን-ናይ ምምኻር ኣገባብ ንምኽሪ ደለይትን ኣማኸርትን ንስኹም ኣብቲ ናትና YouTube-Kanal ትረኽብዎም ኢኹም (ሓደሓደ ዘብርሁ-ቪደዮታት ኣብ ታሕቲ ናይዚ ገጽዚ ክተሓሓዙ ተገይሮም እዮም).
ነቲ ምምኻር ንስኹም ወላሓንቲ ናይ E-Mail-ኣድራሻ ኣየድልየኩምን እዩ። ንምክልኻል፣ ማለት ዘይፍቀዶም ሰባት ነቲ ናትኩም ሕቶን ከምኡውን መልሲ ናይቲ ኣማኻሪኹም ከየንብቡ ምእንቲ፣ Caritas ሓደ ጹኑዕ ዝኾነ ክፍሊ ናይ ምምኻር ኣማዕቢላ እያ። ናብዚ ድማ ንመጀመርያ ንርእስኹም ናይ ግድን እዩ ስምኩም ከይረቛሕኩም ክትምዝገቡ ዘለኩም። ኣብኡ ንስኹም ናትኩም ሕቶ ትጽሕፉን (ከም ኣብ ሓደ ተራ ዝኾነ E-Mail ዝመሳሰል) ከምኡድማ ኣብኡ ንስኹም ነቲ መልሲ ክትወስድዎን ትኽእሉ ኢኹም።
ንኽተውርድዎ ድማ ኣብ ታሕቲ ናይታ ናይ ኢድ መጽሓፍ ንሓድሽ ብኦንላይን-ምምኻር መድረኽ ናይ Caritas እውን ትረኽብዎ ኢኹም። እታ ናይ ኢድ መጽሓፍ ንርእሳ ተመልክቶ ብቐዳምነት ናብተን/ቶም ኣማኸርቲ ዝዓለመትን ከምኡድማ ንዓኹም ኩሎም እቶም ናይ መድረኻታት-ስራሓት ተብርሃልኩም እያ። እንተኾነ ግን እቲ ናይ መድረኽ -ጠመተ ናይቲ ምኽሪ ደላዪ እውን ተብርህ እያ። በዚ ጌርካ እምበኣር ኩሎም፣ እቶም ብዙሕ ብዛዕባቲ ናይ ኣሰራርሓ መንገዲ ናይቲ ብኦንላይን ንምርካብ ክፈልጡ ዝደልዩ፣ ኣብ ናይ ኢድ መጽሓፍ እቶም ኣድለይቲ ዝርዝራት ዝረኽቡ።
እቲ ምዕቃብ ንናትኩም ዳታታት ኣብቲ ናይ ምሳኹም ብኣካል ምምኻር ፍላይ ዝበለ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ምእንቲ ንስኹም ስም ኣልቦን ከምኡውን ዘተኣማምን ዝኾነ ምስቲ ናይ ምምኻር ክፍልታት ንክትራኸቡ ክትገብሩ ንኽትክእሉ፣ ንሕና ሓደ ናይ ብኦንላይን- ምምኻር መድረኽ ኣማዕቢልና ኢና፣ እቲ ሓደ ዝለዓለ መምዘኒ ናይ ጥንቃቐ ከውሕስ ዝኽእል ዝኾነ።
እቲ ምኻር ንሰባት ኣብ ከቢድ ናይ ሂወት ኩነታት ዘለዉ፣ ሓደ ዝለዓለ መዕቀኒ ናይ ምትእምማን ዝሃትትእ እዩ። ንሕና ናይ ጀርመን Caritasverband e.V. ነዚ ሓላፍነትዚ ርዱኣትን ከምኡውን ሓያላት ናይ ተክኒካውን ምምሕዳራውን ስጉምትታት ክንጥቀም ገርና ኢና፣ ምእንቲ ሓደ ናይ ምምኻር መድረኽ ክንቅርብ፣ ኣብቲ ናይ ናትኩም ውሕስነት ዘለዎ ናይ ዳታታትኩም ክነማላእ ምእንቲ እዩ። ነቲ ናይ ምምኻራት ክፍልታት ዝሃበና ሓላፍነት፣ ነቲ ንስኹም በቲ ናይ ምምኻር መድረኽ ገርኩም ክትራኸቡና ንኽትክእሉ፣ ኣብዚ ዝስዕብ፣ ከመይ ገርካ እዩ ነቲ ናትኩም ዳታታት ኣብቲ ኣጠቓቕማ ናይቲ ብኦንላይን-ምምምኻር መድረኽ ኣገባብ ከም ዝግበር።
እቲ ብኦንላይን-ምኽሪ ምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሶም ዝኸኣሉ ናይ ምምኻር ክፍልታት ዝተመቓቐለ እዩ። ሓደ ሓፈሳዊ መግለጺ ናይቶም ኣርእስትታት፣ ነቶም ንሕና ናይ ብቅዓታዊ ምኽሪ ንክትረኽቡ ክነረኽበኩም ንኽእል፣ ንስኹም ኣብ www.caritas.de/onlineberatung ብምእታው ክትረክብዎም ትኽእሉ ኢኹም። በቲ ናይ መኽፈቲ ጽፍሒ "Zur Beratung” ዝብል ኣቢልኩም ንስኹም ናብቲ ታሕተዋይ ገጽ ንናይ ነፍስወከፍ ናይ ምምኻር ክፍሊ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ክፋል ድሮ ኣብኡ ተኽእሎ ኣሎውን፣ ሓደ ዝርከቦ ቦታ ወይውን ሓደ ናይ ምምኻር ክፍሊ ንኽትመርጹ፣ ብእኡ ገርኩም ንስኹም በቲ ሊንክ ገርኩም ናብ ናይ ምምኻር መድረኽ ብድሕርቲ ምምዝጋኩም ንክትራኸቡ ክትዕወቱ ትኽእሉሉ ማለት እዩ።
ኣብ መላእ ሃገር ሓደ ብዝሒ ዘለዎም ናይ ምምኻር ክፍልታት ናይ ጀርመን Caritasverband e.V. ኣለውና፣ ብዛዕብኡ ስልጣን ዝተወሃቦም፣ ሓደ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ምምኻር መድረኽ ክቕርቡ ከም ዘለዎም፣ ብዛዕባ ናይቶም ምኽሪ ዝደልዩ ምስ ናይ ምኽሪ ዝህባ ክፍልታት ክራኸቡ ምእንቲ ክኽእሉ። ሓሳላፍነት ዘለዎ ንሕጊ ብዝምልከት ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስትያናዊ ናይ ዳታታት ዕቀባ (KDG) ድማ፣ ኩሉ ግዜ እታ ነፍስወከፍ ናይ ምምኻር ክፍሊ፣ ምስታ ንስኹም ምርኻብ ክትገብሩ ትራኸብዋ እዩ። እታ ብርግጽ ሓላፍነት ትሽከም ናይ ምምኻር ክፍሊ ድማ፣ ንዓኹም ኣብቲ ናትኩም ትምዝገብሉ እዋን ኣብቲ ፎርም ክረኤ እዩ ዝግበርን፣ ከምኡድማ ካብኡ እዩ ዝብገስ፣ ኣየናይ ናይ ምምኻር ክፍልን ቦታን እዩ ንስኹም ዝመረጽክሞ።
ምእንቲ ንስኹም ምስ ሃደ ናይ ምምኻር ክፍሊ ክትራኸቡ ክትገብሩ ንኽትክእሉ፣ ብመጀመርያ ንስኹም ክትምዝገቡ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ኣዋንዚ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ መልስታት ክትህቡ ክትሕተቱ ኢኹም - ኣብ ርእሲኡ ንስኹም ስፍሕ ዝበለ ናይ ብድልየትካ ዝርዝራት ክትውስኩ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብቲ ትምዝገቡሉ ግዜ ንስኹም ሓደ ናይ ተጠቃሚ ስምን ከምኡድማ ሓደ ናይ መሕለፊ ስም ንኽትህቡ ሓተታ ክግበረልኩም እዩ። ንስኹም ብዛዕብኡ ሓደ ናይ ፈጠራ ስም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም፣ እቲ ናይ መደምደምታ ናብቲ ናይ ብሓቂ ስምኩም ዘየፍቅድ ዝኽነ ማለት እዩ። ጥቃ እዞም ዝርዝራት ከም ነፍስወከፍ ናይ ምምኻር ክፍሊ ኣድላይነት ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ማለት ንስኹም ሓደ ናይ ትነብርሉ ቦታ ናይ ደብዳኤ ምምርሒ ቁጽሪ ክትነግሩን፣ ከሳብቲ ንስኹም ኣቀዲምኩም ጌና ሓደ ቦታ ዘይመረጽኩም ኮይኑ እዩ። እንተድኣ ንስኹም ኣብቲ ገጽ ናይ ሓደ ናይ ምምኻር ክፍሊ ሓደ ቦታ መሪጽኩም ኰንኩም ድማ፣ ንሕና ነዚ ፓራመተር ኣብቲ ናይ ምምዝጋብ ፎርም ብምምሕላፍ ከምኡድማ ሓደ ናይ ምምኻር ክፍሊ ብቐጥታ ዘርኢ ዝኾነ። እንተድኣ ንስኹም ነቲ ናይ ደብዳቤ መለይ ቁጽሪ ኣብቲ ናይ ምመዝገቢ ፎርም ሂብኩም፣ ንዓኹም ምኽርታት ንኣብ ጥቓኹም ዝርከባ ናይ ምምኻር ክፍልታት ከም ዝረኣይኹም እዩ ዝግበር።
ካብዚ ሓሊፉውን ንስኹም ኣብቲ ትምዝገብሉ ናይ ብድልየትካ ተወሰኽቲ ዝርዝራት ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ እቶም ነቲ ምምኻር ጠቓሚ ክኾኑ ዝኽእሉ። ነዞም ዝርዝራት ነቶም ናትኩም ድሕረባይታ ዝጽብጽቡ (ዝተተንከፈ፣ ቤተ ሰብ፣ ካልእን), ናትኩም ዕድመ፣ ጾታኹም፣ከምኡድማ ነቲ ናትኩም ፍልይ ዝበለ ዝርዝር ነቲ ናትኩም ናይ ምምኽር ኣርእስቲ ዝምልከት። እንተድኣ ንስኹም ነቲ ናትኩም, E-Mail ኣድራሻ ሂብኩም፣ ንስኹም ብኡንብኡ ሓቤረታ ክስደደልኩም እዩ፣ ኣብቲ ሓደ ሓድሽ መልሲ ኣብቲ ናይ ምምኻር መድረኽ ንዓኹም ዝተረኸበሉ ኣዋን እዩ። ናትኩም E-Mail ኣድራሻ በታ ናይ ምምኻር ክፍሊ ክረኤ ኣይከኣልን እዩን፣ ከምኡውን ጥራይ በቲ ኣገባብ ናይ ምድጻሕ ምግባር ናይ ብኡንብኡ ሓቤረታ ምስዳድ ክጥቀም ዝግበር።
እቶም ዳታታት እቶም ንስኹም ኣብ ምምዝጋብ ግዜ እትህብዎም፣ ብፍላይ ንሓደ ሕሳብ ቁጽር ኣብቲ ናይ ምምኻር መድረኽ ንምጥቃም እዩ ዘገልግል። ዕላማ ናይቲ ሕሳብ ቁጽሪ ምግባር ድማ ነቲ ተኽእሎ ምግባር ነቲ ናይ ብኣካል ምኽሪ ምርካብ በታ እታ ተመረጸት ናይ ምምኻር ክፍሊ እዩ። ኣብቲ ትምዝገቡሉ ግዜ ክትሕተቱ ኢኹም፣ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ዳታታት ዕቀባ መብርሂን ከምኡውን ንምጥቃም ናይ Cookies (ኣብ ታሕቲ ርኤ) ክትሰማምዕሉ ከምዘለኩም። ናትኩም ምቕባል ምስ ተሰማማዕኩምሉ፣ እቲ ናይ ኣብ መስርሕ ምዏል ናይቲ ዳታታት ኣብ ናይ ምምዝጋብ ፎርም ይፍጸምን፣ ከምኡድማ ነቲ መስርሕ ምግባር ንናይ ተወሰኽቲ ዳታታት፣ እቶም ንስኹም ነታ ዝተመረጸት ናይ ምምኻር ክፍሊ ትሕብርዋን፣ ብመሰረት ናትኩም ምስምማዕ ዝተመርኰሰ ብመሰረት ዓንቀጽ § 6 ምዕራፍ 1 lit. a KDG ማለት እዩ። ኣብዚ እውን እቲ ሕጋዊ መሰረት እቲ ናትኩም ኣብቲ ናይ ምምዝጋብ ግዜ ክውሰድ ዝተገረ ምስምማዕኩም ብመሰረት ዓንቀጽ § 6 ምዕራፍ 1 lit. a KDG እዩ።
ናትኩም ዳታታት ነቶም ዝተመረጹ ናይ ምምኻር ክፍልታት ጥራይ እዮም፣ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣማኸርትን ንስኹም ክረኣዩ ዝኾኑ። ብስልጣን ምሃብ ናይታ ምምኻር ክፍሊ ዳታታትኩም ዕጹዋት ተገይሩ ኣብቲ ናይ ኮምፕዩተር ኣገልጋሊ ናይ Caritas-ብኦንላይን-ምኽሪ-ምሃብ ክስነድ ተገይሩ፣ እቲ ብሓደ ተኣማንነት ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ምቅማጡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝኾነ ክእንገደሉ ዝገብር እዩ ። እታ ጀርመን Caritasverband e.V. ድማ ወላሓንቲ ተኽእሎ የብላን ነቶም ዳታታትኩም ንክትርእዮም፣ ከምኡድማ ብመሰረት ኣብ መስርሕ ምውዓል ዝተወሃባ ስልጣን ብመሰረት ዓንቀጽ § 29 KDG ነቲ ናይ ተክኒክ ትሕተ ቅርጻ ነቲ ብ ኦንላይን-ምኽሪ ምርካብ መስርሕ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ክትጥቀመሉ ዝፍቀደላ። እታ ዝተመረጸት ናይ ምምኻር ክፍሊ ሓላፍነታ እዩን፣ ነቲ ናትኩም መልእኽትታት ክትሰርሖን ከምኡውን ንዓኹም ነቲ ናትኩም ዘድልየኩም ጉዳይ ክተማኽረኩም ትገብርን። ዳታታትኩም ብምንም ግዜ ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ናብ ካልእ ሳልሳይ ኣይክወሃቡን እዮም።
እንተድኣ ተመዝጊብኩም ኰንኩም፣ ንስኹም ሓደ መልእኽቲ ናብታ ናይ ምምኻር ክፍሊ ክተዳልዉን ከምኡውን መልእኽቲ ክትቅበሉን ትኽእሉ ኢኹም።
እቶም ዳታታት እቶም ንስኹም ብናይ ጽሑፍ ዝወሃበሉ ሜዳ ገርኩም ተመሓላልፍዎም በታ ዝተመረጸት ናይ ምምኻር ክፍሊ፣ ብፍላይ ንዕላማ ናይ ምርኻብ ምሳኹምን ከምኡድማ ምስቲ ናይ ግልኹም ምምኻር ምግባር ነቲ ናትኩም ኣርእስቲ ኣብ መስርሕ ዝውዕል።
ዝኾነ ይኹን ምርኻብ ንዓኹምን እታ ሓላፍነት ዝተሰከመት ናይ ምምኻር ክፍልን እዩ ክረኤ ዝኸውን። ኩሎም እቶም ዳታታት ንስኹም ብናይ ጽሑፍ ዝወሃበሉ ሜዳ ገርኩም ተመሓላልፍዎም ብናይ ሓደ ዝተኣማምን መራኸቢ እዮም ዝመሓላለፉን፣ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ኣገልጋሊ ናይቲ ንክሰርሖ ዝትቐበለን ብዕጹው ጌርካ ዘሰነደ እዩ። ወላሓንቲ ካልኦት ናይ ግልኹም ዝምልከቱ ዳታታት ካብቲ ሲስተም ኣይውሰዱን እዮም፣ ብፍላይ እኳድኣ እቲ ናትኩም IP-ኣድራሻ ኣይስነድን እዩ።
እንተድኣ ንስኹም ኣብታ ናይ ምምኻር መድረኽ ተመዝጊብኩም ኰንኩም፣ እቲ ስይስተም ዝተፈላለዩ Cookies ኣብቲ ናትኩም ኮምፒውተር ይስንድ እዩ። Cookies ናይ ጽሑፍ ዳታታት ኣይኮኑን፣ ኣቶም ኣብ ጠቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ፣ ንሓደ ማእራሪ (Browser) ኣብ ግዜ ናይ ማእራሪ ኣኼባ ተመሊስካ ክልለ ዝከኣል። እቶም በታ መድረኽ ኣብ ጠቕሚ ዝወዓሉ Cookies ዘገልግሉ ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ናትኩም ምዝገባን፣ ነቲ ጹንዕነት ምግባር ናይቲ ሲስተምን ከምኡድማ ነቶም ዝተሰየሙ ነገራት ብዕጹውነት ምግባርን እዩ። እዞም ዝስዕቡ Cookies በቲ መድረኽ ኣብቲ ናትኩም ኮምፒዩተር ክስነዱ እዮም።
ስም ንውሒ ናይ ምስናድr ክጥቀመሉ ሳልሳይ
CSRF-TOKEN ኣኼባ ኣይፋልን
keycloak ኣኼባ ኣይፋልን
rc_token ኣኼባ ኣይፋልን
rc_uid ኣኼባ ኣይፋልን
refreshToken ኣኼባ ኣይፋልን
useInformal ኣኼባ ኣይፋልን
userRoles ኣኼባ ኣይፋልን
እታ ናይ ምምኻር ክፍሊ ንሰባት ዝምልከት ዳታታት ካባኹም ኣብ መስርሕ ተውዕል ስለ ዝኾነትሲ፣ እቶም ዝተጐድኡ ብናይ ሕጊ ብሸነኽ ብናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ዳታታት ዕውቀባ (KDG) ጌርካን፣ ከምኡድማ ንዓኹም ዝተፈላለዩ መሰላት ኣለውኹም እውን። ብኽብረትኩም ኣስተብህሉሎም ኢኹም፣ ማለት እቶም ብኣኹም ዝተመረጸት ናይ ምምኻር ክፍሊ ሓላፍነት ተሸካሚት ብሸነኽ ናይ KDG እያን፣ ከምኡድማ ጥራይ እዚኣ እያ ኣብቲ ናትኩም ናይ ሰባት ዝምልከት ዳታታት ክትጥቀም ትኽእልን። ካብዚ ዝተበገሰ ንስኹም ንርእስኹም ንናትኩም መሰል ክትጥቀሙሉ ኣብ ትደልዩሉ ግዜ ብቀጥታ ኣብታ ዝምልከታ ናይ ምምኻር ክፍሊ ተወከሱ ኢኹም።.
ንዓኹም እዞም ዝስዕቡ ዘለውኹም ዝግብእኹም መሰላት:
እዚ ናይ ዳታታት ዕቀባ መብርሂ ብትእዛዛ ናይ ምምኻራት ክፍልታት ናይ ጀርመን Caritasverband e. V. ክሳናዶ ዝተገበረ እዩ። እቶም ናይ ምምኻራት ክፍልታት ንርእሶም ነቲ ነዚ ናይ ዳታታት ዕቀባ መብርሂ ንዝመጽእ ግዜ ንኽቅይርዎን ወይድማ ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ዳታታት ዕቀባ መብርሂ ንኸመሓላልፉ መሰል ናይ ምቁጣብ ኣለዎም።
ብኽብረትኩም ነቲ ሓፈሻዊ ናይ ዳታታት ዕቀባ መምርሒታት ናይ caritas.de. ኣስተብህልሉ ኢኹም።